ሓገዝ ቁጠባ

እንተድኣ ቁጠባዊ ጸገማት ኣጋጢሙካ Östersunds kommun ክሕግዘካ እዩ። ሓገዝ ብሓበሬታ መልክዕን ምኽርን ወይ እንተድኣ ፋይናንሳዊ ጸገምካ ንምፍታሕ ዘይኪኢልካ ብመልክዕ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ንቁጠባዊ ኩነታትካ ሓገዝ ደሊኻ ምስ Östersunds kommun ክትራኸብ ይግባኣካ። ድሕሪኡ ነብስኻ ክትድግፍ ዝሕግዘካ ክትራኸቦ ትኽእል ውሱን ሰብ ክምደበልካ እዩ። እዚ ሰብ ናይ ጉዳይ በዓል መዚ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሓገዝ ብሓበሬታን ምኽርን

ናይ Östersunds kommun ክፍሊት ብነብስኻ ፋይናንሳዊ ምሕደራ ክትገብር ዝሕግዘኻ እዩ። እዚ ድማ ንነብስኻ ክትድግፍ ዘኽእለካ ሓበሬታ ወይ ምኽሪ ብምሃብ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ንኣብነት ብዛዕባ ኩነታት ስድራቤትካ፣ ዝምድናታትካ፣ ብዛዕባ ጥዕናኻን ካልእን ክትዛረብ ደሊኻ ናይ ጉዳይካ በዓል መዚ ክሰምዓካ ይኽእል እዩ። እቲ ናይ ጉዳይካ በዓል መዚ በዛዕባ ፍሉይ ኩነታትካ ዝበለጸ ሓገዝ ክትረኽበሉ ትኽእል መልስን ሓበሬታን ይህበካ።

ብዛዕባ በጀትን ጸገማት ዕዳን ዝምልከት ምኽሪ ካብ Östersunds kommun ክትረክብ'ውን ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ኣድላዪ ኮይኑ፣ ክሕግዘካ ዝኽእል ሰብክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

ሓገዝ ብገንዘብ

ነብስኻ ክትሕግዝ እንተድኣ እኹል ገንዘብ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ማለት ነብስኻ ክትሕግዘሉ እትኽእል ዝኾነ መንገዲ እንተዘይብልካ ካብ Östersunds kommun እትረኽቦ ገንዘብ ማለት እዩ።

ናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ክትረክብ ነብስኻ ንምሕጋዝ ኩሎም መንገድታት ክትፍትን ኣሎካ። እንተድኣ ኣብ ባንኪ ገንዘብ ወይ ርእሰማል ኣሎካ ኮይኑ፣ ን försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ብቑዕ ኣይትኸውንን ኢኻ። እንተድኣ ንኽልቴኹም ዝኸውን እኹል ኣታዊ ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ብሓባር ትነብር ኣሊኻ ኮይንካ፣ ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ብቑዕ ኣይትኸውንን ኢኻ።

እዚ ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ከመይ ጌርካ ከምተመልክት እዩ

እንተድኣ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ደሊኻ ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ከተምልክት ትኽእል ንነብስኻ ክትሕግዘሉ እትኽእለሉ ዝኾነ መንገዲ እንተዘይብልካ ጥራይ እዩ።

ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ከተመልክት መጀመሪያ ኣብ Östersunds kommun ዝርከብ Kundcenter (ማእከል ዓሚል) ዝተባህለ ክትራኸብ ኣሎካ። Kundcenter (ማእከል ዓሚል) ኣብ ትራኸበሉ ግዜ እንተድኣ ትደሊ ኮይንካ ናይ ተርጓማይ ሓገዝ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ።

Kundcenter (ማእከል ዓሚል) ድሕሪ ምርኻብካ፣ ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንመጀመሪያ ግዜ ናይ ጉዳይ በዓል መዚ ክትረክብ ግዜኡ እዩ። ቅድሚ ናብቲ ናይ ጉዳይ በዓል መዚ ምብጻሕ ምግባርካ፣ ንኣብነት ብዛዕባ ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ከተመልክት መታን ኣየኖት ሰነዳት ከምዘድልዩኻን ከምኡውን ምክርታትን ኣመታትን ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ይግብኣካ።

እቲ ናይ ጉዳይ በዓል መዚ ኣብትረኽበሉ ግዜ፣ ናይ ቤተሰብካ፣ መርበብ ሓበሬታ፣ ናይ ገዛ፣ ናይ ስራሕ፣ ናይ ጥዕናን ኩነታት ቁጠባኻን ዘጠቓለለ ብዛዕባ ኩነታትካ ብሓባር ኮይንካ ትግምግሞ። ኣብ መጻኢ ከመይ ጌርካ ነብስኻ ክትሕግዝ ከምትኽእል መደብ ኣብ ምውጻእ ፍሉይ ተገዳስነት ጌርና ኣሎና።

እቶም ኣብ Östersunds kommun ዘለው ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብምክልኻልን ከምኡውን ኣብ ዝተኣሳሰረ ዝምድና ተባሂሊ ዝጽዋዕ መሰረት ዝገበረ ክሰርሕ ግዴታ ኣለዎ። ካብ ቂጠባዊ ኩነታትካ ወጻኢ ንኣብነት ብዛዕባ ናትካን ናይ ቆልዕትካን ጥዕናን፣ ናይ ኣልኮልን ናይ ሓሽሽን ልምድታትካን፣ ወዘተ ክትሕተት ትኻል ትኸውን።

ስለዚ ምልክታኻ ክንምስርሖ ክንክእል እቲ ንሓቶ ዝርዝራዊ መልሲ ክትህብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ፍሉይ ኩነታትካ መሰረት ብምግባር ምልክታኻ ክንምስርሖን ድሌታትካ ከማልኡ ዝኽእሉ ህሉዋት ኣማራጺታት ክንምርምር ኢና።

እንተድኣ ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ተመልክት ኣሊኻ ኮይንካ ንሕና እንደልዮ እዚ እዩ።

ንነብስኻ ክትሕግዘሉ እትኽእለሉ ዝኾነ መንገዲ እንተዘይብልካ ኮይኑ ናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ቅድሚ ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ምርካብካ ንነብስኻ ንምሕጋዝ ዘኽእሉ ኩሎም ኣማራጺታት ክትጥቀም ይግብኣካ።

እንተድኣ ኣብ ባንኪ ገንዘብ ኣሎካ ወይ ካልእ ፋይናንሳዊ ርእሰማል ኣሎካ ኮይኑ፣ ናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ቅድሚ ምርካብካ እዚኦም ክትጥቀመሎም ኣሎካ።

ብመሰረት ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዓንቀጽ "መስፈርቲ ትርፊ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ልዕሊኡ ዝለዓለ ኡኹል ኣታዊ እንተድኣ ሃልዩካ ኮይኑ፣ ናይ ኣታዊ ህጽረት ወይ ዘይሓሰብካዮም ወጻኢታት ንምምሕዳር ኣቐሚጥካ ወይ ገንዘብ ኣሊኻ ትኸውን ኢልና ትጽቢት ኣሎና። ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ምልክታ ኣብ ነመስርሓሉ ግዜ፣ ካብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣውርሕ ኣታዊታትካ ብምርኣይን ኣብ መጻኢ ኩነታትካ እንታይ ከምዝመስል ክንርእይ ኢና።

ንነብስኻ ንኽትሕግዝ ኩሎም ህልዋት ኣማራጺታት ምጥቃም ማለት፣ ንኣብነት፥

  • ኣብ መንግስታዊ ናይ ስራሕ ኣገልገሎት ተመዝጊብካን ብንጡፍ ስራሕ ኣብ ምድላይ ትርከብን ዘለኻ
  • ንስኻ ንዝተላኣኽካዮን ብኡኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ሽቅለት ኣልቦነት ረብሓታት ዝተኸልከልካዮን ንዝኾነ ናይ ስራሕ ወይ ዕዮ ዕዳጋ ተበግሶ ኣይፋል ዘይበልካዮ
  • እንዳሰራሕካ እንኮለኻ ኣብ ናይ ሽቅለት ኣልቦነት ውጥን ኣባል ዝኾንካሉን ስራሕ ኣብ ዘይረከብካሉ ግዜ ዝተዳለኻሉን
  • ጽቡቕ ጌርካ ዘይትነብረሉን ካብቲ ንስኻ እትደልዮ ንላዕሊ ምስዝኸውን
  • ኣየኖት ሕግታት ንኣብነት፣ CSN፣ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ መድሕን፣ ወኪል ስደተኛ ወይ ካልኦት ሰበስልጣናት ከምዝትግበሩ ኣፍልጦ ምስዝህልወካ፥ እሞ ናብ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ወይ ዘይተኸፍሉ ክፍሊታት ዘምርሕ ግጉይ መረዳእታ ብምውጋድካ

ከም ናይ ገዛ ክራይ ረብሓታት፣ ናይ ጽገና መቑነናት፣ "ኣልፋ" ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ረብሓታት፣ ናይ ሕማም ረብሓታት፣ ናይ ወለዲ መቑነን ወይ ናይ ገዛ ልቓሕን ንሽወደን ሓድሽ እንተድኣ ኮይንካ ናይ መላለይ ረብሓታት ዝኣመሰሉ ንስኻ እትጥቀመሎም ናይ ካልኦት ፋይናንሳዊ ረብሓታት ወይ ክፍሊታት ዝኣመሰሉ።

ካብ ማእከል ዑቑባ ናብ Östersunds kommun መጺእኻ እንተኾይንካ

ኣብ ሓዲኦም ናይ ማእከል ስደተኛ ወኪል ክትነብር ጸኒሕካ ብናትካ ተበግሶ ናይ Östersunds kommun እንተድኣ ኣዋራሪድካዮ፣ ቁጠባዊ ኩነታትካ ምስ ምርካብ መንበሪ ከተተሓሕዞ ክትምድብ ኣሎካ።

ካልእ ምንጪ ኣታዊ ወይ ናይ መእተዊ መቑንን ኣብ ትረኽበሉ ግዜ ካብ ወኪል ስደተኛ እትረኽቦ መቁነን ንክራይ ገዛ፣ ንመግብን ካልኦት ወጻኢታት እኹል ክኸውን ይግባእ።

ኩሉግዜ ቅኑዕ ሓበሬታ ከተቕርብ ይግብኣካ

ንናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ምልክታ ኣብ ትመልኣሉ ግዜ ኣዚኻ ክትጥንቀቕ ይግብኣካ። እቲ ዘቅረብካዮ ሓበሬታ ቅኑዕ ዘይኮነ ወይ ዘጋግይ እንተኾይኑ ናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) እውን ቅኑዕ ኣይኮነን ማለት እዩ። እንተድኣ ቅኑዕ ዘይኮነ ሓበሬታ ኣቕሪብካ ኢልና ጠርጢርና፣ ንፖሊስ ክንሕብርን ብመሰረት ሕጊ ድማ ንስኻ ገበን ከምዝፈጸምካ ክረጋግጽን ገንዘብ ክትመልስን ትግደድ ኢኻ።

እቲ ትኽክል ገንዘብ ከምዝኸፈልናክ ንስኻ'ውን ከተረጋግጾ ይግብኣካ። እንተድኣ ካብቲ ኣብ ውሳኔኻ ተጠቒሱ ዘሎ ካልእ መጠን ከፊልናካ እሞ ንስኻ ደማ እቲ መጠን ትኽክል ከምዘይኮነ ክትርድኦ ንቡር ስለዝኾነ፣ እቲ ብጌጋ ዝተኸፍለ መጠን ገንዘብ ክትመልሶ ግዴታ ኣሎካ።

ናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ክትረክብን ከይትረክብን ውሳኔ

ናይ försörjningsstöd (ማሕበራዊ ሓገዝ) ክትረክብን ከይትረክብን እንህቦ ውሳኔና ኣብ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዓንቀጽን እቲ ማዘጋጃ ቤት ዘውጽኦም መምሪሒታትን ምርኩዝ ብምግባር እዩ። ንዘመልከትካዮ ስለምንታይ ተዋሂቡካ ወይ ኣይተዋህበካን ምኽንያታት እነቅርበሉ ናይ ጽሑፍ ውሳኔ ክትረክብውን መሰል ኣሎካ።

እንተድኣ በቲ ውሳኔ ዘይዓጊብካ፣ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ኣሎካ።

Sidan uppdaterad 2024-04-10