የወላጅ ድጋፍ

ንናይ ወላዲ ተራኹም ዝምልከት ምኽርን ድጋፍን የድልየኩም ድዩ? ከም ወለዲ መጠን፡ ኣብ ምዕባልን ጥዕናን ናይ ደቕኹም ወሳኒ ተራ ትጻወቱ ኢኹም። ወላዲ ምዃን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓጎስን ሽቕሎትን ኣለዎ። ስለዝኾነ ኸኣ፡ ኣብ ገለ ገለ እዋናት ኣብቲ ናይ ወላዲ ተራኻ ብግቡእ ንምጽዋት ሓበሬታን ምኽርን የድልየካ። እቶም ካብ 0 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዘለዎም ወለዲ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ከም ወለዲ መጠን፡ ንስኹም ኢኹም ንደቕኹም ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ሰብ እትፈልጥዎም። ሓገዝ ምስ ዘድልየካ፡ ናበይ ከተብል ኣለካ ምፍላጥ ውን ጽቡቕ እዩ።

ንናይ ወላዲ ተራ ዝምልከት ድጋፍ፡ ንዝተፈላለየ ሕቶታት ዝምልከት ምኽርን ኣንፈት-ምትሓዝን ዘጠቓለለ እዩ። እቲ ምኽሪ ወይ ሓገዝ ንብሎ ዘለና ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ዝድህስስ ክኸውን ይኽእል፦

  • ምድራት (ምኽላእ)
  • ቆልዑን ኢንተርነትን
  • ምስ ውላድካ ዘለካ ምትእስሳር
  • ምስ ካልኣይካ ወይ ውን ምስ ካልኦት ኣባጽሕ ዘለካ ዝምድና
  • መግብን ጥዕናን
  • ኣካይዳ ትምህርቲ
  • ትምባኾ፡ ኣልኮላዊ-መስተን ድሮጋን
  • ናይ ዕረፍቲ ንጥፈታት

ንምዕባይ ቆልዑን ተራ ወለድን ኣመልኪትካ ምስ ካልኦት ወለዲ ተራኺብካ፡ ሓሳባትን ተመኲሮታትም ምልውዋጥ ዝዓለመ ርክብ ውን ክኸውን ይኽእል።

ኩሎም ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ናይ ወላዲ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፡ ድጋፍ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡

  • ወላዲ
  • ተወሳኺ ወላዲ
  • ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ
  • ዘይደቆም ከም ደቆም ሓላፍነት ወስዲዶም ዝዕብዩ
  • ተወካሊ ህጻን
  • ካልእ መቕርብ ዝኾነ በጽሒ

እዚ ዝስዕብ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ

መራሒ ዘሎዎ ጉጅለ-ወለዲ

ንስኻ/ኺ ወላዲ ዝዀንካ፡ ምስ ካልኦት ወለዲ ኣብ ሓደ ጉጅለ ተመዲብካ፥ መራሒ ኣብ ዘሎዎ ኣኼባታት ንገለ እዋናት ክትራኸብ ኢኻ። ተሞኩሮታትኩምን ፍልጠትኩምን ድማ ክትለዋወጡ ኢኹም።

Sidan uppdaterad 2024-03-25