ናብ ምምሕዳር ከተማ Östersund ኪድ

ተወሳኺ መንበሪ ግዜ። ኣብ Östersund ኩሉነገር ቅርበቱ ኣብ ኢድካ ከምዘሎ ከምዝኾነ ክትዕዘብ ኢኻ። እዚ ተወሳኺ ግዜ ክህልወካ ይኽእል ማለት እዩ። ብናይ ባዕልኻ ናይ ኣዕሩኽካን ስድራትካን ድሌት። ብብሽክለታ ወይድማ ብእግርኻ ክትከይድ ትኽእል፣ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ኣብ ቤት-ትምህርቲ፣ ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ – ወይድማ ኣብ ደገ ማለት ኣብ ገጠር ኣለኻ።

ኣብዚ ክትነብር እንከለኻ ጽቡቕ ናይ ደገ ሂወት ንምስትምቓር ወይድማ ኣብ ናይ እምባታት ዓለም ንምዝናይ ኣውደኣመት ክትጽበይ ግድን ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ናይ Östersund ናብራ ሙሉእ ዓመት ደስ ኣብ ዝብል ደጋዊ ሂወት ዝተደረኸ እዩ። ብተወሳኺ ኣብዚ ውዑይ ዝኾነ ኣብ ባህላዊ ሂወት፣ ጋንታታት ከምኡድማ ኣብ ማሕበራት ናይ ምስታፍ ድሌት እውን ኣሎ። መዓስ እዚ ጥራይ፣ Östersund ኣብ መጻኢ ልዑል እምነት ዘለዋን ሓደስቲ ዞባታት እናተወልዳ ዝሓድራላን ኣብ ጎደና ዕቤት እትሕምበብ ዘላ ከተማ እያ።

Bild på människa i motljus som sträcker sina armar mot skyn

Read more in our brochure

ስራሕ ኣብ ምምሕዳር ከተማ Östersund

ኣብ ምምሕዳር ከተማ Östersund ክትሰርሕዶ ትደሊ? ንሕና ብቐጻልነት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ መደባት ዝሰርሑ ሸቃሎ ኣብ ምድላይ ኢና ንርከብ።

ኩሎም ናይ ምምሕዳር ከተማ Östersund ዝርከቡ ዘይተታሕዙ ናይ ስራሕ ዕድላት ረኣይ (ብቋንቋ ሽወደን)

ደገፍ ስራሕ ኣብ ምድላይ

Arbetsförmedlingen (ኤጀንሲ ስራሕ መንግስቲ ስዊድን) ንስኻ ስራሕ ክትረክብ ክሕግዘካ ሓላፊነት ዘለዎ ትካል እዩ።

ናይ Arbetsförmedlingen መርበብ ሓበሬታ ተወከስ (ብብዙሓት ቋንቋታት ተዳልዩልካ ኣሎ)

ኣብ ምምሕዳር ከተማ Östersund መንበሪ ገዛ ምድላይ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ Östersund–ማለት ኣብ ሕምብርቲ እታ ከተማ እምባታትን ቀላያትን እናረኣኻ፣ ወይድማ ብተቓራኒኡ፣ ኣብ በሪኽ ገጠር እታ ሃገር ኮንካ ነታ ከተማ ኣማዕዲኻ ኣብ እትርእየሉ ቦታ ናይ ምንባር ብዙሕ ምርጫታት። እትደልዮ ገዛ ክትካረ፣ ክትዕድግ ወይድማ ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ Östersund ብዙሓት ናይ መንበሪ ገዛ መስርሒ ቦታታት ይፍጠሩ ኣለዉ፣ ብተወሳኺ ብዙሓት ናይ ገጠር መንበሪ ቦታ ዝህባ ብዙሓት ቦታታት እውን ኣብታ ምምሕዳር ከተማ ይርከባ።

ዝካረ መንበሪ ገዛ

ገዛ ክትካረይ እንተደሊኻ ካብ ብዙሓት መካረይቲ መሪጽካ ክትካረይ ትኽእል ኢኻ። ናይቶም ዓበይቲ መካረይቲ ዝርዝር ኣብዚ ቀሪቡልካ ኣሎ።

ወነንቲ ኣባይቲቁጽሪታት ተሌፎን
Rikshem010-70 99 200
Attacus Fastigheter AB063-55 67 02
HSB063-18 32 18
Norells Fastighetsförvaltning063-13 82 00
Riksbyggen0771-860 860
Rydells Fastighetsförvaltning063-10 33 60
Storsjö Förvaltning AB063-57 14 90
Storsjöhus AB063-12 43 25
Wikstrands fastighetsförvaltning063-18 32 18
Östersundshem AB063 14 04 00
Diös0770-33 22 00

መንበሪ ገዛ ብኻልእ መንገዲ ድለይ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ Östersund መንበሪ ገዛ ትደሊ እንተሃሊኻ ብዙሓት ናይ መንበሪ ገዛ ኣገልግሎታት ኦንላይን (online) ዘቕርቡ ኣካላት ኣለዉ። ካብኣቶም እቶም ዝተወሰኑ ኣብዚ ቀሪቦሙልካ ኣለዉ:

ብተወሳኺ ብዙሓት ሰባት ኣብ Östersund Municipality ከምኡድማ ኣብ Jämtland መንበሪ ገዛ ንምክራይ ዝጥቀሙሎም ናይ ፈይስቡክ ጉጅለታት ኣለዉ። ሓደ ካብዞም ጉጅለታት ድማ ”Kakas bostadsförmedling i Jämtland!” እዩ።

ናብዚ ብስደት ንዝመጹ ሰባት

ናብ ሽወደን ብስደት እንተመጺእካሞ፣ ናይ መንበሪ ፍቓድ ምስተውሃብካ ኣብ Östersund እንተተመዲብካ ወይድማ ባዕልኻ ኣብ Östersundክትነብር እንተመሪጽካ፣ ኣብዚ ምንባር ኣብ እትጅምረሉ ግዜ ካብቲ ናይ ውህደት ኣገልግሎት ዋሃቢ ትካል ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። እቲ ናይ ውህደት ኣገልግሎት ወሃቢ ትካል ኣብ Kyrkgatan 49 ማለት ኣብ ማእከላይ Östersund ይርከብ፣ ኩሉግዜ ሰኑይ፣ ረቡዕ፣ ዓርቢ ካብ ሰዓት 10:00 -14:30 ከኣ ኣገልግሎት ይህብ።

እቲ ናይ ውህደት ኣልግሎት ዝህብ ትካል ናይ ምምሕዳር ከተማ Östersund ኣካል ክኸውን እንከሎ ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣጋይሽ ዘዕግብ ናይ ውህደት ኩነታት ከመቻቹ ሓላፊነት ወሲዱ ይሰርሕ። ብዛዕባ ሕበረተሰብ ሽወደን ፍልጠት ምዕባይን ኣብቲ ሕብረተሰብ ተሳትፎታት ምግባርን የተባብዕ። ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር፣ እቲ ናይ ውህደት ኣገልግሎት ስራሕካ ንምዕባይን ናይ መጽናዕቲ ትንበያታትን፣ ከምኡድማ ንገዛእርእስኻ ክትድግፍ ከኽእለካ ይሰርሕ።

ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማና ንስኻ ኣብዚ ዕዉት ናብራ ክትምስርትን ከተማና ንሓዋሩ ንምንባር ክትመርጾን ምግባር እዩ።

ናይቲ ናይ ውህደት ኣልግሎት መግለጺ ብሓጺሩ

ናይ መጀመሪያ መንበሪ ገዛ

እቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣብ ምምሕዳር ከተማ Östersund ዝተመደቡ ሰባት ናይ መጀመርያ መንበሪ ገዝኦም ንምርካብ ደገፍ ክግበረሎም እዩ።

ምስ ምቕባል ኣጋይሽን መንበሪ ገዛ ምርካብን ዝዛመድ ግብራዊ ደገፍ

ኣብ Östersund ንዝኣተዉ ሓደሽቲ ስደተኛታት ደገፍ፣ ኣገልግሎትን ሓበሬታን ንህብ።

ማሕበራዊ ሌላ

ናይቲ ማሕበራዊ ሌላ ዕላማ ንሕብረተሰብ ሽወደን ዝምልከት መሰረታዊ መረዳእታ ክትሕዝ ምግባር ክኸውን እንከሎ፣ እዚ በቲ እትመልኮ ቋንቋኻ ኢና እነቕርበልካ።

ውህደት ንምሕያል ዝውሰዱ ስጉምቲታት

ቁሩብ ኣብነታት:

  • ሌዲዝ ቪላ (Ladies Villa) – ምስ ቀይሕ መስቀል ብምትሕብባር ኣብ ወጻኢ ንዝተወልዳ ደቂኣነስትዮ ከምኡድማ ቆልዑተን ዝእከባሉ ክፉት ቦታ ብምድላው ናይ ቋንቋ ስልጠና፣ ሓበሬታን እተፈላለየ ዓይነት ንጥፈታትን ክረኽባ ዝገብር ትካል እዩ።
Sidan uppdaterad 2023-11-08